ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሰላምን ምርግጋእን ክልል ኣምሓራ በብእዋኑ እናተመሓየሸ ብምምፅኡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዙሓት ስራሕቲታት ልምዓት ይሰርሑ ኣለው ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኩነታት ሰላም እቲ ክልል እናተመሓየሸ ብምምፅኡ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ልምዓት ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዕ ውፅኢት ከምዘምፅኡ እውን ሓቢሮም።
ብሶስና ኣለማየሁ