ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልል መረፃ ኩታበር ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ መረፃ ዳግም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ክልል መረፃ ኩታበር ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ መረፃ ዳግም ተጀሚሩ መረፅቲ ድምፂ ይህቡ ኣለዉ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልል መረፃ ኩታበር ካብ ዝርከባ 73 ጣቢያታት መረፃ ሓደ ዝኾነ ጣቢያ መረፃ ቁንዲ -ለ-  ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ መረፃ ዳግም ተጀሚሩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን መረፅቲ ኣብቲ ጣቢያ መረፃ ብምርካብ ድምፆም እናሃቡ ይርከቡ፡፡

መተሓባበሪ እቲ ጣቢያ መረፃ ሙሓመድ ዓሊ ከይዲ መረፃ ካብ ረፋድ ሰዓት 4 ንሒደት ደቒቓታት ተቛሪፁ ዝነበረ ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ዳግም ተጀሚሩ መረፃ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም፡፡

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

Comments (0)
Add Comment