ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዘበነ ትምህርቲ 2018 ዝኸውን 32 ሚሊየን ሕትመት መምሀሪ መፃሕፍቲ ንምክያድ ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ገሊፁ።
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ቡልቶሳ ኢርኮ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምስላጥ ኣድላዪ ምድላው ተገይሩ ኣሎ።
ኣብቲ ዓመት ንቅድመ ስሩዕ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ቀረብ መምሀሪ መፃሕፍቲ ንምምላእ ጠመተ ሂብካ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ልዕሊ 32 ሚሊየን መፃሕፍቲ ንምሕታም ተተሊሙ ምስ ትካላት ሕትመት ውዕል ተገይሩ ስራሕቲ ሕትመት ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!