ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ብምትሕብባር ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘርኢ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋድ ካብ ሓጎስ ዝሓለፈ ብምትሕብባር ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሐበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላፉዎ መልእኽቲ÷ ተፈጥሮን ከም ብሌን ዓይኑ ምክንኻንን ምልማዕን ዝፈልጥ ህዝቢ ክልል ኦሮሚያ ግድብ ህዳሰ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ ኢሎም።

ማይ ንኦሮሞ ህይወቱ፣ ባህሉ፣ ኣብ ኩሉ ታሪኹን ህዝባዊ ክብሪታቱን ልዑል ምትእስሳር ዘለዎ ሕብሪ መንነቱ ኢዩ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ዓብዩ ሩባ ኣባይ ዝተሃነፀ ግድብ ህዳሰ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተኻየደ ሰልፊ ድጋፍ ካብ ደስታ ሓሊፉ ብትሕብባር ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብቶም ናየ ድጋፍ ሰልፊታት ዝተጋውሑ ድምፂታት ልምዓት ናይ ምንፋቕ ሰላም ኣብዚሕኻ ምድላይ፣ ብምድማር ዘበን ምብራኽ ኢትዮጵያ ብብዙሓት ዓወታት ናይ ምፅናዕ ብርቱዕ ድሌት ከምዝኾኑ ርኢና እውን ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment