ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ኦሮሚያ ገምጋም ኣፈፃፅማ መንግስትንፓርቲን ተጀሚሩ፡፡
ገምጋም ኣፈፃፅማ መንግስትን ፓርቲን በጀት ዓመት 2018 ርብዒ ዓመት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ አብዲሳ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ይርከብ፡፡
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝተረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺሩ ኣብ ምቕፃልን ዝተረኣዩ ድኽመታት ብምእራም ናብ ዝተመሓየሸ ውፅኢት ንምምፅእ ምስራሕ ይግባእ፡፡
ብፍላይ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን፣ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ናይ ምዕቃብ ባህሊ ምዕባይ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ስሉጥ ኣገልግሎትን ካልኦት መዳያትን ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ብሚልኪያስ አዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!