ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፅባሕ 524 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ተዛዚሙ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ ክልል ፅባሕ 524 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ተዛዚሙ ኢሎም።

ኣይተ ሽመልስ ፅባሕ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓደ ፀሓይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ካብ ፅባሕ ኢትዮጵያ ለውጢ ጀሚሩ ምስ ተፈጥሮ ንምትዕራቕ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተግባራዊ እናገበረት ትርከብ ኢሎም።

እቲ መርሃ ግብሪ ንፈተና ለውጢ ንብረት ኣየር ልዑል መፍትሒ ከምዝኾነ ብምሕባር ብነስሓ ዝተዘርግሓ ኣእዳው ንትውልዲ መፅለሊ እናሃነፁ ከምዝኾኑ ዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብቲ ክልል 23 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘለዎም ፈልሲታት ልዕሊ 6 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዝተተኸለ ብምግላፅ÷ ልዕሊ 88 ሚኢታዊ ከምዝፀደቑን መጠን ሽፋን ደኒ እቲ ክልል ካብ 17 ናብ 29 ሚኢታዊ ከምዝዓበየ ፀሪሖም።

በዚ ድማ ኩልና ብሓድነት ጠጠው ብምባል ንጉዕዚ ”ብምትካል ምብራኽ” ብምድጋፍ ፅላል ወለዶ ቀፃሊ ብዝኾነ መገዲ ንምህናፅ ብሓድነት ተላዒልና ኣሰርና ነንብር” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

በዮናታን ብርሃኑ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment