ኣብ ክልል ዓፋር 2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኣውስትሮሎፒቲከስ ቅሪተ ኣካል ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)2 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዓመት ዝፅጋዕ ዕድመ ዘለዎ ቅሪት ኣካል ኣውስትሮሎፒቲከስ ኣብ ክልል ዓፋር ተረኺቡ።

በዓል መዚ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ከምዘፍለጦ፤ ጉጅለ ሳይንቲስታትን ተመራመርቲን ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኣሪዞና ምስቲ በዓል መዚ ብምትሕብባር ኣብ ክልል ዓፋር ፍሉይ ሽሙ ሌዲ ገራሩ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ብዝገበሩዎ ምርምር ኢዩ እቲ ቅሪተ ኣካል ረኺቦምዎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣበባው ኣያሌው፤ ዩኒቨርሲቲ ስቴት ኣሪዞና እቲ መፅናዕቲ ንምውጋን ምስቲ በዓል መዚ ብሓባር እናሰርሐ ፀኒሑ ኢሎም።

በዚ ድማ ኢትዮጵያ ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላ ምዃና ብዝበለፀ ዘጠናኽርን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ቀዳምነት ዘረጋግፅ ውፅኢት ተረኺቡ ኢዩ ኢሎም።

ብሃመልማል ዋለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment