ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ወታደራዊ ሄሊኮፕተር 7 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ከምዝሓበሮ÷ እታ ሄሊኮፕተር ዝተሓምሸሸት ኣብ ስሩዕ ስራሕ እናሃለወት ብዝተፈጠረ ፀገም ቴክኒክ ኢዩ።
በዚ ድማ ኣብታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ እቲ ሚኒስቴር ምግላፁ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።
ካብ ሞንጎ መወትቲ ሰለስተ ቱርኪያውያን ሲቪላትን ሓደ ቱርኪዬያዊ ወታደር ከምዝርከቡዎም ሚኒስቴራት ምክልኻል ኳታርን ቱርኪዬ ኣብ ዘውፅዎ ሓበሬታ ገሊፆም።
ትኽለኛ መበገሲ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ተወሳኺ ምርመራ ከምካየድ እውን እቲ ፀብፃብ ኣመልኪቱ።
ብኣድማሱ ኣራጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!