ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል ወረዳ ኣሕፈሮም ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

እቲ ሓደጋ ሎሚ ንጎሆ ከባቢ ሰዓት 11፡00 ኣብታ ወረዳ ጣብያ ሴሮ ቁሸት ዕላሱር ፍሉይ ቦታ መቓይሕ ከምዘጋጠመ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን ወረዳ ኣሕፈሮም ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን ወረዳ ኣሕፈሮም ሻንበል ገብረትንሳኤ ገብረገርግስ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፅዎ፥ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ዝኾነት ኣብቶብስ ኣብ ወረዳ እገላ ኣብ መርዓ ዝሓደሩ ሰባት ኣሳፊራ ናብ እንትጮ እንትትጓዓዝ ኢዩ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

እታ ኣውቶብስ ካብ መገዲ ተንሸራቲታት 80 ሜትሮ ንቑልቁል ብምፅዳፋ ኣሳፊራቶም ካብ ዝነበረት እቶም 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ምርግጋፁ ገሊፆም።

ካልኦት ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት እውን ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ዝገለፁ ሻንበል ገብረትንሳኤ፥ እዚ እዋን ክራማት ብምዃኑ ገናሕቲ መኪና ጥንቃቐ ክገብሩን ናህሮም ቀኒሶም ንከሽከርክሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

Comments (0)
Add Comment