ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትማ ምሸት ኣብ ዝጀመረ መበል 35 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ሰለስተ ፀወታታት ክካዩ ኢዮም፡፡
ምሸት ሰዓት 5 ሸውዓት ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ኣፍሪካ ግብፂ ምስ ዚምቧቡዌ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብ ሞሮኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ክዕወታ ይኽእላ ኢየን ዝብል ቅድመ ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃበን ሃገራት ግብፂ ትርከበን፡፡
ቅድሚ እዚ ፀወታ ኣጋ ምሸት ሰዓት 11 ዛምቢያ ምስ ማሊ ክራኸባ ኢየን፡፡
ምሸት ሰዓት 2 ድማ ኣብ 1996 ሻምፒዮን እቲ መድረኽ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ኣንጎላ ክትራኸብ ኢያ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!