ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ 500 ግራም ኮኬይን መዕወኒ ሓሽሽ ሓቢኣ ንምሕላፍ ዝፈተነት ተጠርጣሪት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ፡፡
ሙኪሳ ስቴላ ዝተብሃለት ኡጋንዳዊት ውልቀሰብ እቲ መዕወኒ ሓሽሽ ኣብ ውሽጢ መሕለዊ ፅሬት ደቂ ኣንስትዮ ብዝተራቐቐ መገዲ ሓቢኣ ንምሕላፍ እንትትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለት ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ፡፡
እታ ተጠርጣሪት ካብ ርእሰ ከተማ ማላዊ ሊሎንጌ ተላዒላ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ትራንዚት ብምግባር ናብ ፊሊፒንስ ማኒላ ኣብ ምጉዓዝ ኣብ ዝነበረት ኣውሮፕላን ውሽጢ ተሳፊራ ከምዝነበረት ተገሊፁ፡፡
ሰብ ሞያ ድሕንነት ኣቪዬሽን ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ብዘበናዊ መሳርሒታት ብዝገበሩዎ ጥቡቕ ፍተሻን ቁፅፅርን እቲ ኮኬይን ምስተጠርጣሪታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐላ እቲ ሓበሬታ ዓረጋጊፁ፡፡
ዘፈር ምርመራ ገበን ቁፅፅርን ሓደገኛ እፅዋትን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ እቲ መዕወኒ ሓሽሽ ንተወሳኺ ምርመራ ከምዝተረከበ እቲ ኣገልግሎት ገሊፁ፡፡
ብተመሳሳሊ ብተኸታታሊ መዓልቲታት ብወገን ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ምጉዓዝ ዝነበራ ኣውሮፕላት ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጫት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዐለ እውን ኣፍሊጡ፡፡
ቅድሚ መዓልቲታት ልዕሊ 4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!