ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ልምምድ ሃገራት ኣልቦ ወደብ ዘየለ ግፍዒ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መበል ራብዓይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ቃለ መሕትቶም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪክ በሪ ባሕሪ(ወደብ) ዝሰኣነትሉ መገዲ ከምዘናድዶም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ወደብ ከምዘይብላ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ዓለም ልምምድ ሃገራት ኣልቦ ወደብ ዘየለ ግፍዒ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ በዓልቲ ዋና በሪ ባሕሪ ምዃን ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስትር ቅድሚ ምዃኖም ቅድሚ ዓመታት ይዛረብዎ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ እቲ ጉዳይ ዘበን ዘምፅኦ ኣጀንዳ ዘይምዃኑ ኣገንዚቦም።
እቲ ውሳነ ትኽክል ዘይምዃኑ ኣፅንኦት ሂቦም፥ ኢትዮጵያ ኣልቦ ወደብ ብምዃና ልዑል ጉድኣት በፂሑዋ ኢዩ፤ ንዝኾነ ይኹን ከይጎዳእና እቲ ጉድኣት ክንቅንስ ኣለና ኢሎም።
ሕቶ ምርካብ ባሕሪ ኢትዮጵያ ህፁፅ መፍትሒ ክረክብ ዝግበኦ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።
በሪ ባሕሪ እኹል ሃፍቲ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶኣ ብዝርርብን ኣግባብ ሕጊን ምለሽ ንክረክብ እትገብሮ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።
እዚ እንተዘይኮይኑ ዝተጎድአን ዝተሰበረን ሃገር ብዘላቕነት ዝሰኸነ ሰላም ከምፅእ ኢዩ ኢለ ኣይሓስብን፤ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብምዝርራብ መስመር ክሕዝ ኣለዎ” ክብሉ ኣገንዚቦም።
ብመላኩ ገድፍ