ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሃፍቲ ማይ ብዝተወገኑ ተግባራት ኣብቲ ዞባ ፍትሓዊ ተረባሕነት ጋህዲ ይኸውን ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)፡፡
መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2018 ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ከተማ ነቀምቴ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ብግቡእ ፈሊጣን ተጠቒማን ንኽትለምዕ ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሃፍቲ ማይ ብዝተወገኑ ዘበረታትዑ ተግባራት ኣብቲ ዞባ ፍትሓዊ ተረባሕነት ጋህዲ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
በቢዓመቱ ብጎስጓስ ህዝቢ ዝውገኑ ስራሕቲ ሓለዋ ከባን ሓምለዋይ ኣሰርን ለውጢ ከምዘምፅኡ እውን ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዓውዲ ማይን ሳኒቴሽንን፣ ኣብ ምሕደራ ሃፍቲ ማይን ኢነርጂን ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ዝነበሩ ተግባራት ትልሚን ኣፈፃፅማን እናተገምገሙ እንትኾን÷ ተሞክሮ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ቀሪቡ፡፡
ብጎህ ንጉሱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!