ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ከይዲ ምፍራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ከይዲ ምፍራይ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡
ኣብ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ስልጠና ክወስዱ ዝፀንሑ ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ።
ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ ሎጂስቲክስ ንግዲ ኣእትዎን ሰደድን ንምስላጥ ኣብ ዕብየት ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ልዑል እዩ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ዝወሃብ ግልጋሎት ስሉጥ፣ ዘተኣማምንን እዋናዊን ንምግባር ፃዕሪ ይግበር ምህላው እውን ገሊፆም።
ብፍላይ እቲ ዓውዲ ብዝግባእ ተረዲኦም ግልጋሎት ዝህቡ ሰብ ሙያታት ንምፍራይ ብቐራፅነት እናሰርሑ ምዃኖም ኣረዲኦም፡፡
እቲ ዓውዲ ተወዳዳሪን ውሑስን ንኽኸውን ኣብ ምግባር ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣራርሓ ምዝርግሑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ አረዲኦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment