ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ስራሕቲ ምርምራትን መፅናዕቲታትን ወሰንቲ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ስራሕቲ ምርምራትን መፅናዕቲታትን ወሰንቲ ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ።

“ቱሪዝም ንዘላቒ ለውጢ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል ሓምሻይ ሃገራዊ ጉባኤ መፅናዕቲን ምርምርን ዓውዲ ቱሪዝም ይካየድ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ዓምዩቕ ታሪካዊ፣ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ሃፍቲ ዘለዋ ሃገር ኢያ ኢለን።

ይኹን እንበር ካብ ‘ቲ ዓውዲ ዝግበአና ኣታዊ ኣይንረክብን ዘለና ክብላ ገሊፀን።

እቲ ጉባኤ ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ምርምራትን ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ ኢለን።

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ስራሕቲ ምርምራትን መፅናዕቲታትን ወሰንቲ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪበን።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment