ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ህይወት ዘድሕኑ ቴክኖሎጂታት ንሕብረተሰብ ብዝበለፀ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ተበፃሕነት ሕክምና መንሽሮ ንምዕባይ ጠመተ ዝገበረ “ሬይስ ኦፍ ሆፕ 2025” ዓለም ለኸ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ መድረክ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ፕሮግራም ኤክስቴንሽን ጥዕና ታሪኻዊ ስራሕቲ ከምዝፈፀመት ገሊፆም።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣሰልጢንና ክብሉ ብምሕባር፤ ጥዕና ፍሉይ ረብሓ ዘይኾነስ መሰል ብምግባር እቲ ግልጋሎት ተበፃሒ ንምግባር ናብ ኩሎም ክፋላት ኣስፋሕፊሕና ኢሎም፡፡
ተበፃሕነት ማእኸላት ሕክምና መንሽሮ እናሰፍሐ ከምዝኾ ግልጋሎት ራዲዮቴራፒ ተበፃኽነት ኣብ ክልላት ንምስፋሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረዲኦም፤ሕክምና ጨረር ብዝበለፀ ሓላፍነቱን ደሕንነቱን ብዝሃለወ መልክዑ ክስራሕ ስራሕቲ ሕግን ቁፅፅርን ምጥንኻሮም ተዛሪቦም፡፡
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!