ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብ ዓውዲ ፍርያታት ሕርሻ ዝተውሃበ ፍቓድ ድለላ ሙሉእ ብሙሉእ ተሰሪዙ ኢሉ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣብዱልሃኪም ሙሉ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ ዓውዲ ምንም እታወት እንተይወሰኹ ስርዓት ንግዲ ዝርብሹ ብዙሓት ደልቲ ኣለልዉ፡፡
ብምዃኑ ድማ ኣብዞም ፍርያታት፣ ኣብ ኣትክልቲን ፍረምረን ከምኡ እውን ኣብ እንስሳት ዝተውሃበ ፍቓድ ድለላ ሙሉእ ሙሉእ ከምዝተሰረዘ ተዛሪቦም፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ደለልቲ ካብ ዕዳጋ ክወፅኡ ከምዝተገበረ ብምሕባር÷ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕ ደለልቲን ኣራኸብቲን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብሪሆም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ዓውዲ ዐዳጋ ሲሚንቶ ስርዓት ናፃ ዕዳጋ ብምዝርጋሕ ዋጋ ሲሚንቶ ትሕቲ ፍርቂ ንኽንኪ ከምዝተገበረ ሓቢሮም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!