ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ ውፅኢታት ተመዝጊቦም – ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ ውፅኢታት ተመዝጊቦም ኢሎም ኣብ ባይ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፡፡

ኣብ ለውጢ ዓመታት ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ተምሳሌት ምዕባለ ንምግባር ዝተጀመረ ጉዕዞ መርአያ ከምዝኾኑ ብምፅራሕ፤ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ዘሰጋገሩ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝነበረ ምግላል ክተርፍ ብምግባር ንኩሉ ዘሳትፍ ንምግባር እናተወገኑ ዝርከቡ ህንፀታት ስርዓት ዴሞክራሲ ከምዘለዉ እውን ተዛሪቦም።

ድሕሪ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ከይዲ ምስረታ መንግስቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ኣባላት ካቢኔ ብምስታፍ ብሓባር ንኽሰርሑ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ዝተፈላለዩ ኣመለኻኽታታት ዝሓዙ ደቂ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም፡፡

እዚ ኸይዲ ኣብ ምርድዳእ ዝተመስረተ ዴሞክራሲ ንምህናፅ ጅማሮ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ምርድዳ ንምፍጣር ተሓሲቡ ዝተጣየሸ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ እናተረኸቡ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ዓወታት ሓደ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment