ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ዝተሳተፉ 354 መዐደሊታት ነዳዲ ክሲ ክቐርበሎም ኢዩ ኢሉ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን።
ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ደስታው መኳንንት (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት እንተዘይኮይኑ ነዳዲ ካብ መዐደሊ ነዳዲ ወፃእ ንከይሽየጥ ብሕጊ ተደንጊጉ ኢዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር ኣብ ክልላት ነቲ ድንጋገ ብምጥሓስ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ነዳዲ ዝተሳተፉ 354 መዐደሊታት ነዳዲ ክሲ ክቐይምስረተሎም ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ ሽዱሽተ ኩባኒያታት ንክልተ ኣዋርሕ ከምዝተኣገዱን ካልኦት ሸውዓተ ኩባኒያታት አወን ናይ መነወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃቦምን ሓቢሮም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!