ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2018 ዓ.ም ልዕሊ 377 ሚሊየን ዶላር ኢንቨሰትመንት ምስሓብ ተኻኢሉ ኢሉ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ።
ኣብቲ ኮርፖሬሽን ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን ኮርፖሬት ኣይተ ጳውሎስ በለጠ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣብቶም ኣዋርሕ 64 ሰብ ሃፍቲ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘማሓድሮም ፍሉያት ቦባታት ኢኮኖሚን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ንምስሓብ ተኻኢሉ ኢዩ።
ንግድን ሎጂስቲክስን፣ ፋርማሲዩቲካል፣ ኣግሮ ፐሮሰሲንግ፣ ኢንጂነሪንግን ሓፂነ መፂንን፣ ኮንስትራክሽንን ፈርኒቸርን ከምኡ’ውን ኣልባሳትን ጨርቃ መርቂን እቶም ሰብ ሃፍቲ ዝተዋፈሩሎም ዓውዲታት ስራሕ ኢዮም ኢሎም።
ኣብ ፍሉይ ዞባታት ኢኮኖሚ ካብ መንጎ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ካብ ቻይና፣ ኣሜሪካ፣ እንግሊዝ፣ ህንድን ጅቡቲን ዝመፅኡ ምህላዎም ሓቢሮም።
ብኣድማሱ ኣራጋው