ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኢትዮጵያ ንባዕላ ዘድልያ መድሓኒት ክተፍሪ ኣለዋ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኢትዮጵያ ንባዕላ ዘድልያ መድሓኒት ክተፍሪ ኣለዋ ዝብል እምነት ብመሓዝ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምህዳር ሳይንስ ኢትዮጵያ ኣፍሪካን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ዘበናዊ ማእኸል ምርምር ሎከሚ መዓልቲ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ ኣብ ጉዕዞ ሓንቲ ሃገር መከራ፣ ፀገምን ማሕለኻን ኣይፈጠር ኣይበሃልን ነገር ግን እዚ እንትፍጠር ናብ ዕድል ንምልዋጥን ካብቲ ፀገም ዕድል ንምውፃእ ምስራሕን ንወዲ ሰብ ከምኡ እውን ንሃገር ኣዚዩ የድሊ ኢሎም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝሰልጠነ ዓለም ንዘይሰልጠነ ዓለም ብፍላይ ንፍሪካ ሰብ ዝውደአሉ ካብቲ ሕማም ዘየምልጥ ኣህጉርን በቢቦትኡ ሰብ እናሞተ ዝረአየሉ ክኸውን ከምዝኽእል ብዙሓት ከምዝገመቱን ከምዝተንበዩን ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር እቲ ትንበያ ኣይስራሕ እምበር ኣብ ከይዲ ምድላው ምግባር ኣዚዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዘምህር ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዚ ድማ ብምግቢን መድሓኒትን ርእስኻ ንምኽኣል ከም ዕድል ክንጥቀም ኣለና ዝብል ቅዋም ከም መንግስቲ ወሲድና ነይርና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ነዚ ድማ ብሓጋይ ንሕረስ መሬት ፆሙ ኣይሕደር ብዝብል ኣብ ስርናይ ብምዝማት ውፅኢት ክነመዝግብ ዝኸኣልና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኣብ መድሓኒት እውን መሰል ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ብምሕባር÷ ኮሮና ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ኢትዮጵያ ንጠለብ ውሽጢ ሃገር ክተፍርዮ ትኽእል መድሓኒት 8 ሚኢታዊ ከምዝነበረን ዘፈር ውልቀ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ከፍርዩ ይተሓተት እምበር ድሌት ከምዘይነበሮም ኣመልኪቶም።

መድሓኒት፣ ክዳን ከምኡ እውን ምግቢ ብእኹል መጠን ብምፍራይ ናይ ባዕሉ ጠለብ ዘይሽፍን ሃገር ከም ሃገር ሉኣላዊ ሃገር ኢየ ኢሉ ክቕፅል ከምዘይኽእል ፀሪሖም።

በዚ ድማ ኣብቲ እዋን ዝነበረ 8 ሚኢታዊ ቀረብ መድሓኒት ውሽጢ ሃገር ኣብዚ ሕዚ እዋን 40 ሚኢታዊ  ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅሉ ሓሽተ ዓመታት እውን ኢትዮጵያ ንባዕላ ዘድልያ መድሓኒት ክተፍሪ ኣለዋ ዝብል እምነት ብመሓዝ እናሰራሕና ንርከብ ኢሎም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment