ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝናብ ክረምቲ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት እታ ሃገር ክሕይልን ክሰፍሕን እዩ ኢሉ ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ።

እቲ ኢንስቲትዩት ናብ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ÷ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝናብ ክረምቲ ክሓይልን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር እናጠንከረ ዝኸይድ እንትኾን ኣብ ሓድሓደ ከባቢታት ዝሓሸ ዝናብን ዝርገሐን ከጋጥሞም እዩ።

በዙይ መሰረት ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ሰሜን፣ ማእኸላይ፣ ምብራቕን ሰሜናዊ ምብራቕን ክፋል እታ ሃገር ዝሓሸ ዝርገሐ ዝናብ ከምዝህልው ተሓቢሩ፡፡

ስለዝኾነ ኩነታት ከባቢ ኣየር ብፍላይ ኣብ ደቡብ ምዕራብ፣ ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ኢትዮጵያ ብመጠን ይኹን ብዝርገሐን እናሰፍሐ ምኻዱ ክቕፅል እዩ፣ ካብ ማእኸላይ ክሳብ ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ እዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ማእኸላይ፣ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ከባቢታት እታ ሃገር ካብ ቀሊል ክሳብ ማእኸላይ መጠን ዝናብ ከምዝህሉ እውን ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ሰሜን ምብራቕ፣ ማእኸላይን ምዕራብን ከባቢታት ኢትዮጵያ ብርቱዕ ዝናብ ውሕጅን ከስዕብ ከምዝኸእል ኣድላዩ ጥንቃቀ ክግበር እቲ ኢንስቲትዩት ኣተሓሳሲቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment