ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምምራቑ ምኽንያት ብምግባር ህዝባዊ ሰልፊታት ይሳለጡ ኣለው

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ምምራቑ ስዑቡ ‘ብሕብረት ክኢልና’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ሰልፊ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደሴ፣ ደብረብርሃን፣ ደብረ ማርቆስ፣ ወልድያ፣ ሰቆጣ፣ ደብረ ታቦርን ካልኦት ከተማታትን ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተሳተፉ እንትኾኑ ግድብ ህዳሴ ኣሰር ብልፅግና፣ ግድብና ምልክት ዓቕምና፣ ምልክት ምጅማር ሕውየትና፣ ተደጋጋሚ ዓወት፣ ዝጭበጥ ብስራት – ግድብ ህዳሴን ስሙር ኣእዳው ንብልፅግና ዝተግህ ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም።

ብተወሳኺ ግድብና ብባዕልና ዓቕሚን ብኹርዓትን ብኣፍሪካውነት ዝተሃነፀ ሓቂ፣ ግድብና መሰረት ብሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና፣ እቲ ዝለዓል ዘሎ ደወል ግድብና ክብሪ ኢትዮጵያውነት ምዃኑ፣ ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ ዝተረኸቡ ካልኦት ዓወታት ዝዝክሩን ሃገራዊ ሓድነት ዘጠናኽሩን መልእኽትታት ተመሓላሊፎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment