ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ውፅኢት መረፃ እናተለጠፈ እንትኾን፤ መረፅቲ እውን እቲ ውፅኢት ይርእይዎ ኣለው።
በዚ ድማ ኣብ ከተማ ዲላ፣ ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ሶዶ ከምኡ እውን ግዝያዊ መረፃ ክልል ኣብ ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ኮሬ ኣማሮ ኬሌ ክልል መረፃ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ዳሰነችን ሃመርን፣ ኣብ ዞባ ኣሪ ከተማ ጂንካ፣ ኣብ ዞባ ኣሌ ፍሉይ መረፃ ገዋዳ ከምኡ እውን ኣብ ዞባ በላስካ ስሩዕ መረፃ ክልል ኣብ ዝርከብ ጣቢያታት መረፃ ግዝያዊ ውፅኢት ተለጢፉ ኣሎ።
እቶም ነበርቲ ኣብ መረፃ ጣቢያ ዝተለጠፈ ግዝያዊ ውፅኢት መረፃ እናረኣዩ ይርከቡ።