ኣብ ዞባታት ናፃ ንግዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ካብ ኣታዊ ግብሪ ናፃ ክኾኑ ተፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናፃ ዞባታት ንግዲ ብምውፋር እታወታትን ፍርያታትን ናብ ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ካብ ኣታዊ ግብሪ ናፃ ንኽኾኑ ተፈቒዱ ኢሉ ሚኒስቴር ገንዘብ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ልምዓት ኢንዱስትሪ ውሽጢ ሃገር ንድሕሪት ዝሕዙ ሕፅረት ካፒታል፣ ቀረብ እታወትን ሕፅረት ሰብ ሞያን ደረጃ ብደረጃ ኣብ ምቅላል ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እዚኦም ኣምፃእቲ እታወታትን ፍርያታትን ቀረፅን ታክስን እንተይከፈሉ ናብ ውሽጢ ሃገር ብምእታው ነቲ እታወት ወይ እውን ነቲ ፍርያት ዕዳጋ ኣብ ዝረኽቡሉ እዋን ቀረፅን ታክስን ዝኸፍሉሉ ኣሰራርሓ ዝፈቅድ ኣሰራርሓ ናፃ ዞባ ንግዲ ከምዝተዘርገሐ ይዝከር።

ሕዚ ድማ ዞባታት ንግዲ ሰብ ሃፍቲ ብዝበለፀ ዝስሕቡ ንኽኾኑ ኣብ ዞባታት ናፃ ዞባታት ንግዲ ብምውፋር እታወታትን ፍርያታትን ናብ ዕዳጋ ኣብ ምቕራብ ዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ካብ ኣታዊ ግብሪ ናፃ ንኽኾኑ ከምዝተፈቐደ ኣመልኪቶም።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ነቲ ዕድል ብምጥቃም ኣብ ዞባታት ናፃ ዞባ ንግዲ ንኽዋፈሩ እቲ ሚኒስቴር ፀዊዑ።

Comments (0)
Add Comment