ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዞባታት ወለጋ ዝገበርናዮ ዑደት ኣዝዩ ተስፋ ውሃ ምንቅስቃስ ዝተረኣየሉ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ጌታቸው ረዳ።
ኣይተ ጌታቸው እዚ ዝበሉ ኣብ ዞባታት ወለጋ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ እዩ፡፡
ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ፣ ንስራሕ ድሉው ዝኾነ ኣመራርሓ፣ መንገዲ ኣመራርሓ ተኸቲሉ ናብ ልምዓትን ስራሕን ክደፍእ ፍቓደኛ ዝኾነ ህዝቢ ከምዘለዋ፣ ኣብ ሓፂር እዋን እታ ሃገር ክትልወጥ ከምዝኽእልን ዘርእይ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ኣብ ዞባታት ወለጋ ዝገበርናዮ ዑደት ብዙሕ ግዜ ምስ ልምዓት ዘይኮነስ ምስ ፀገማት ፀጥታ ዝተኣሳሰር ታሪኽ እቲ ከባቢ ከም ዝቐየረ ሓቢሮም።
ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምጉዕዓዝ ኣፀጋሚ ተገይሩ ዝረአየሉ ከባቢ መፂእና ተስፋ ውሃቲ ምንቅስቃሳት ሪኢና ኢሎም፡፡
ብኣድማሱ ኣረጋው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!