ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዞባ ስልጤ ወረዳ ሳንኩራ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ።
መተሓባበሪ ዋና ከይዲ ስራሕ ፖሊስ ትራፊክ ወረዳ ሳንኩራ ሳጂን ኣብዱልሽኩር ሃምዳላ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሓደጋ ትራፊክ ኣብታ ወረዳ ከተማ መዞሪ ረግዲና ናብ ሃላባ ዝኸይድን ካብ ሃላባ ዝምለስ መመላለሲ ህዝቢ ኣውቶቡስ ብልምዲ ዶልፊን ተባሂላ ምስ ትፅዋዕ ሚኒባስ ብምግጫዋ ዘጋጠመ ኢዩ።
እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 5፡20 ከምዘጋጠመ ብምሕባር÷ በቲ ሓደጋ ሞት 5 ሰባት፣ 2 ከቢድን 2 ቀሊል ጉድኣት ኣካልን ከምጋጠመ ተዛሪቦም።
በቲ ሓደጋ ጉድኣት ዘበፅሖም ሰባት ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና ሕክምና እናተኸታተሉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!