ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብ ዞባ ጅማ ዝተጀመረ ልምዓት ቆፅሊ ሻሂ ክናኸር ይግባእ ኢሎም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ወረዳ ሰቃ ጨቆርሳ እናተሳለጠ ዝርከብ ልምዓት ቆፅሊ ሻሂ ተዓዚቦም፡፡
በዚ እዋን ድማ ኣብቲ ዞባ ልምዓት ቆፅሊ ሻሂ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሊ ንልምዓት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ዝተረኣየሉ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡
ኣብቶም ሕርሻታት ባህሊ ትሕግጋዝ ሓረስቶት ከምዝተዓዘቡ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዞባ ጅማ እናተወገነ ዝርከብ ልምዓት ኮሪደር ገፀር ዝተፈላለዩ ከባቢታት ገፀር ንምዝማን ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም፡፡
ብኣብዱረህማን ሙሃመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!