ኣብ ድሬዳዋ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ልምዓት ከተማ ተወጊኖም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)‎ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ልምዓት ተወጊኖም ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣፈፃፅማ ትልሚታት ልምዓት ንምግምጋም ዝገበሩዎ ዑደት ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ከተማ ዝነበሮም ፃንሒት ብዙሓት ትልሚታት ልምዓት ኣቐሚጦም ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ዑደቶም ኣብ ድሬዳዋ ተስፋ ዝህቡ ምንቅስቓሳት ለምዓት ከተማ ተመልኪተ ኢሎም፡፡

ኣብታ ከተማ ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ፥ ንኣብነት ድና ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ተመሳሳላይነት ዘለዎ ቤተ መፃሕፍቲ እመርታ ድምቀት እታ ከተማ ኮይኑ ከምዝተሃነፀ ፀሪሖም፡፡

እቲ ቤተ መፃሕፍቲ ካብ መሸጣ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብዝተረኸበ ኣታዊ ዝተሃነፀ እንትኸውን፥ ንመናእሰይ እታ ከተማ መዕደጊ ፍልጠትን መደንፍዒ ኣእምሮን እናኾነ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት እታ ከተማዋ ንሰገናት ዝኾኑ መዘውተሪ ስፖርት ቦታታት፣ መዘናግዒ ቦታታት፣ ፓርክታት፣ ናይ ሳይክል መገዲታትን ካልኦት ብዙሓት መሰረተ ልምዓታትን ከምዝተሃነፁ ኣብሪሆም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment