ኣብ ድሬዳዋ ኣገልግሎት ስራሕ መሶብ ሓደ ማእኸል ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ንኣገልግሎት ማእኸል ድሬ-መሶብ ሓደ ማእኸል መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተካይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እናትኣለም መለሰን ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ከድር ጁሃር ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ።

እናትኣለም መለሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ማእኸል ግልጋሎት ኣወሃህባ ስብራቱ ካብ መሰረቱ ዝቕይር ዓብዩ ውፅኢት እዩ፡፡

እቲ ማእከል ብሓይሊ ሰብ ዝማዕበለ፣ ብቴክኖሎጂ ዝድገፍን እዋናዊ ዝኾነ ናይ ከተማታትና ኩለመዳያዊ ለውጢ ዝሰማማዕ ስሉጥ ኣገልግሎት ንምሃብ ምቹእ ሃዋህው ከም ዝፈጠረ ኣረዲኤን፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ጎኒ ምምሕዳር ደው ኢሎም ነቲ ትካል ናይ ምትሕብባር ባህሊ ብምጥቃም ፍልፍል ህዝባዊ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣስሚረናሉ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ከድር ጁሃር ብወገኖም፤ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ግሁድ ውፅኢት ብምግንዛብ ብራኸ ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ጅማሮ በፂሕና ኢሎም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment