ኣብ ጀርመን ዝደመቐ ፈረንሳዊ ኮኸብ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጀርመናዊት ሓያል ጋንታ ባየርን ሙኒክ እገናገበረቶ ኣብ ትርከብ ዕዉት ጉዕዞ ፈረንሳዊ ኮኸብ ማይክል ኦሊሴ ልዑል ግደ እናበርከተ ይርከብ፡፡

ሙኒክ ኣብ ቡንደስሊጋን ሻምፒየንስ ሊግን ጥራሕ ዘመዝገበቶም ሸቶታት ካብ 100 ዝሓለፉ እንትኾኑ፥ በዚ ድማ ካብ ሓሙሽቲአን ዓበይቲ ሊጋት ኣውሮፓ ልዑል ሸቶ ዘመዝገበት ጋንታ ኢያ፡፡

ማይክል ኦሊሴ ካብ የማናይ መስመር እናተለዓለ ካብ ዘመዝግበን ሸቶታት ብተወሳኺ ውዱኣት ኩዕሾት ብምቕባል ንባቫሪያን ወሳኒ ተፃዋታይ ምዃኑ እናመስከረ ይርከብ፡፡

ካብ ኣልጄሪያን ፈረንሳይን ወለዲ ካብ ዝተረኸባ እንኡን ካብ ናይጄሪያዊ ኣቡኡን ኣብ ለንደን ዝተወለደ ኦሊሴ፥ ኣብ 9 ዓመቱ ናብ ኣካዳሚ ቼልሲ ብምፅምባር ክእለቱ ከርኢ ክኢሉ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ዝሐሸ ዕድል ፀወታ ንምርካብ ናብ ማንቼስተር ሲቲ ኣካዳሚ ዘምረሐ እንትኸውን፥ ብፍላይ ንፕሮፌሽናል ኩዕሾ እግሪ ህይወቱ መበገሲ ዝኾነቶ ጋንታ ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ትርከብ ሪዲንግ ኢያ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ሊግ ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ዝበለፀ መንእሰ ተፃዋታይ እቲ ዓመት ብምባል ዝተመረፀ እንኸውን፥ ኣብቲ እዋን ቀልቢ ብዙሓት ጋንታታት ክስሕብ ክኢሉ ነይሩ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ኣብ 2021/22 ውድድር ዓመት ንፈለማ እዋን ናብ ፕሪሚየር ሊግ ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ምስተፀምበረ ኣብ 82 ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ 14 ሸቶታት ብምምዝጋብ 22 ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾታት ኣመዓራርዩ ኣቐቢሉ፡፡

ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ሴል ሀረስት ፓርክ ኣብ ዝነበሮ ፃሒት ናይታ ጋንታ ናይ ፈጠራ ውቅዒት ልቢ ምዃኑ ዘመስከረ ፈረንሳዊ ኮኸብ፥ ኣብ 2023 ናይታ ጋንታ ዝበለፀ ተፃዋታይ እቲ ዓመት በምባል ተመሪፁ፡፡

ብፍላይ ኣብ 2023/24 ዓመተ ውድድር ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኣብ 19 ፀወታታት 10 ሸቶታት ብምምዝጋብ ሽዱሽተ ንሸቶ ዝኾና ኣመዓራርዩ ብመሃብ ብዓበይቲ ጋንታታት ክህደን ምኽንያት ኮይኑዎ፡፡

ብክእለት ኩዕሾ፣ ብቕዓት ምንባብ ፀወታን ቴክኒካዊ ኣረዳድኣም እቲ ተፃዋታይ ዝተኣማመነት ባየርን ሙኒክ ብ50 ነጥቢ 7 ሚሊየን ፓውንድ ነቲ ተፃዋታይ ናይ ብሕታ ክትገብሮ ክኢላ፡፡

ናብ ጀርመን ምሰምረሐ ድማ ደሚቑ ንኽረአ ግዘ ዘይወሰደሉ ኦሊሴ፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ኣሊያንዝ ኣሬና ፃንሒቱ 20 ሸቶታት ዘመዝገበ እንትኸውን፥ 23 ንሸቶ ዝኾና ንደቂ ጋንትኡ ብምቕባል ናይቲ ዓመት ዝበለፀ ተፃዋታይ እታ ጋንታ ተባሂሉ ተመሪፁ፡፡

ኣብዚ ዓመተ ውድድር እውን ብዘደንቑ ቁፅሪታት ዝተዓጀበ ዕዉት እዋን እናሕለፈ ዝርከብ ኦሊሴ፤ ብኩሎም ውድድራት 38 ፀወታታት ብምግባር ኣብ 38 ሸቶታት ቀጥታ ተሳትፎ ክገብር ክኢሉ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment