ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጆርጂያ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ወታደራዊ ኣውሮፕላን ቱርኪ 20 ወታደራትን ኣባላት በረራን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡
ንብረት ሓይሊ ኣየር ቱርኪ ዝኾነትን ሲ-130 ዝብል ስያመ ዘለዋን ወታደራዊ ኣውሮፕላን ካብ ኣዘርባጃን ተበጊሳ ናብ ቱርኪ እናበረረት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኢያ ኣብ ከባቢ ቤት ማዛጋጃ ጆርጂያ ሲግናጊ ተሓምሺሻ።
ዝተለቐቑ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት ከምዘርእዩዎ በረራ እታ ኣውሮፕላን ተዛቢዑ ናብ መሬት እንትትወድቕ ተራኢዩ፡፡
ትማሊ ንጉሆ ካብ ቱርክ ከተማ ትራብዞን ተላዒላ ንወታደራዊ ልኡኽቶ ናብ ኣዘርባጃን ከተማ ጋንጃ ዝተጓዓዘት እታ ኣውሮፕላን÷ ካብ ከተማ ጋንጃ ናብ ቱርኪ እናተመለሰት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ን27 ደቓይቕ ካብ ራዳር ብምስዋር ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ዶብ ጆርጂያን ኣዘርባጃንን ከምዝተሓምሸሸት ኢዩ ተገሊፁ።
ሚኒስቴር ምክልኻል ቱርኪ ከምዝሓሮ÷ ኣብታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ 20 ወታደራትን ኣባላት በረራን በቲ ሓደጋ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡
ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶሃን ምስ ሰብ መዚ ጆርጂያ ብምውዳድ ስርባራት እታ ኣውሮፕላን ናይ ምምላስ ስራሕቲ እናተወገነ ከምዝርከብ ብምሕባር÷ ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ እናተፃረየ ይርከብ ምባሎም ኣር ቲን ኣልጀዚራ ፀብፂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!