ኣብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካን ጣልያን ኣፍሪካን ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ተረኺቡ – ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ መበል 39 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካን 2ይ ዋዕላ ጣልያን ኣፍሪካን ሃገራዊ ረብሓታታ ዝሓለወ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ረኺባ ኢሎም ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝተሳለጡ ክልተ ዓበይቲ ጉባኤታት ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂኦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ብዓወት ምዝዛሙ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ንምእንጋድ ዓቕማ ከምዘዕበየት ዘመልክት እዩ።
ኢትዮጵያ ነቶም ክልተ ጉባኤታት ብዝለዓለ ፅሬት ከምዘአንገደቶም ብምሕባር፤ ንኣጋይሻ ብኽብሪ ተቐቢላ ብኽብሪ ሰንያ ኢሎም።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ ማራሕቲ እቲ ሕብረት 41 መራሕቲ ሃገራት፣ 48 ሚኒስተራት ጉዳያት ወፃኢን ሓዊሱ ልዕሊ 20 ሽሕ ኣጋይሽን ምስታፎም ኣረዲኦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ክልቲኡ ጉባኤታት ኣርባዕተ ቀንዲ ዓወታት ከምዘመዝገበት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣጋይሻ ብምቕባልን ብምስናይን ባህላ ዘስፋሕፍሓሉ ፍፃመ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ጎኒ ጎኒ እቶም ጉባኤታት ዕዉታት ብዙሕነታዊ መድረኻት ብምክያድ ሃገራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ዝሕሉ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።
እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብቲ እዋን ጉባኤ ብዝተማልአ ደረጅኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንክዕወት እጃሞም ንዝተዋፅኡ ከምኡ እውን ንነበርቲ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስጋና ኣቕሪቦም።
ብታሪኩ ለገሰ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment