ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኩሉ ብሓባር ጠጠው ክብል ይግባእ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉዳይ በሪ ባሕሪ ኩሉ ብሓባር ጠጠው ክብል ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝበሉ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየሶ 6ይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽን መብርሂን ኢዩ።

እዋናዊ ተግባራት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ ጌዲዮን (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ምስዝርከባ መብዛሕተአን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ፅቡቕ ዝበሃል ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

እቲ ዞባ ሓያላት ሃገራት ብሄራዊ ረብሐአን ንምሕላው ዝሻኾታሉ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኢትዮጵያ እውን ብሄራዊ ረብሓኣ ብዝሓለወ መልክዑ ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ኣብ ምውጋን ትርከብ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ርክብ ኣብ መሰረተ ልምዓት ማለት እውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ባቡርን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ሕቶ በሪ ባሕሪ መልሲ ንኽረክብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስትራቴጂካዊ ትልሚ ብዘገናዘበ መልክዑ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣጀንዳ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ናይ ምግንዛብ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም፡፡

ጉዳይ ሕቶ በሪ ባሕሪ ናይ ወለዶ ሕቶ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ እቲ ሕቶ ካብ ሓደ መንግስ ወይ እውን ካብ ሓደ ፓርቲ ዝሳገር ከመዝኾነ ኣብሪሆም።

ብምዃኑ ድማ እዚ ሃገራዊ ጉዳይ ናይ ሓባር ኣጀንዳ ገይርካ ክቕፅል ብምግባር ብዝተረኸበ ኣጋጣሚ ኩሉ ነቲ ሕቶ ምፍላጥ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment