ኣብ ግዜ ፆም ይቕሬታን ምርድዳንን ክጠናኸር ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ እዋን ፆም ይቕሬታን ምርድዳእን ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም ኣቦታት ሃይማኖት።
ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ዓቢይ ፆም ትማሊ ተጀሚሩ።
ሓላፊ መምርሒ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ተልእኾን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ቀሺ መላከ ሰላም ዳዊት ያሬድ ኣብ ዓቢይ ፆም ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ወዲ ሰብ ኣብነት ክኸውን ከም ዝፅዎም ሰዓብቱ ድማ ምስ ሃይማኖታዊ ትውፊት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ክፅዎም ኣለዎ ኢሎም፡፡
ምክትል ዋና ፅሓፊን ሓላፊ ሓዋርያዊ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣባ ኣብርሃም ገብረ ማርያም ብወገኖም ከምዝበልዎ፤ ዓቢይ ፆመ ኢየሱስ ክርስቶስ ብፆምን ፀሎትን ሰናይ ተግባርን ንኩሉ ወዲ ሰብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ እነስተንትነሉ እዋን እዩ።
እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖት ይቕሬታን ምሕረትን፣ ሰናይን ምትሕግጋዝን፣ ከምኡ እውን ኣብታ ሃገር ሰላም ክህሉ ዝፅለየሉ እዋን ስለዝኾነ ከምኡ ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment