ኣብ ግድብ ህዳሰ ን5 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓብዪ ግድብህዳሰ ኢትዮጵያ ን5 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣብዱሰላም ሸንገል ከምዝበሉዎ፥ ምልክት ሃገር ዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ምምራቑ ኣብ ዓውዲ ፍርያት ዓሳ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ጀሚሩ።

ክሳብ ሕዚ ድማ 52 ብማሕበራት ዝተወደቡ 1 ሺሕን 446 ዜጋታት ብዝተፈጠረሎም ዕድል ስራሕ ንባዕሎም፣ ስድረኦምን ሕብረተሰብን እናተጠቐሙ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣማራፂ ዕድል ስራሕ ብምስፋሕ ኣብ ፍርያት ዓሳ፣ ትራንስፖርት፣ ሆቴልን ቱሪዝምን ከምኡ እው ኣብ ዓውዲታት መስኖ ተወሰኽቲ ዕድላት ስራሕ ንምፍጣር ከምዝተሃቀነ ሓሮም።

ኣብ ዝተትሓዘ 2018 በጀት ዓመት ን5 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተሓሲቡ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

@Addisinsider_ETH
@Addisinsider_ETH

Comments (0)
Add Comment