ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ጎንደርንዞባ ማእኸል ጎንደርን ትካላት ሃይማኖት ጉባኤ ብሓባር ዘዳለውዎ ሰልፊድጋፍ ፃውዒት ሰላም ሎሚ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ከተማ ጎንደር እናተካየደ ኣብ ዘሎ ሰልፊ ፃውዒት ሰላም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም።
ኣብቲ ሰልፊ ሰላም ንምፅናዕን ሓበራዊነትንምጥንኻር ዘኽእሉ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም፡፡
በዙይ እውን ትካላት ሃይማኖት ዝገብርዎዘተ ጎንፂ ንምፍታሕ ወሳኒ መሳርሒ እዩ! ትካላት ሃይማኖትሰላም ምስፋን ቀንዲ ተግባሮም እዩ! ሰላም፣ ሓድነትን ሓበራዊነት ካብ ትካላት ሃይማኖት ዝቅድሑ እዮም! ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም።
ብተወሳኺ ሃይማኖታዊ ክብርታትና መሰረት ሓድነትናን ሓይልናን እዮም! ሃይማኖት መሰረት ሰላም እዩ! ናይ ሰላምን ምክብባርን ባህሊ ኣብ ምዕቃብ ሃይማኖታዊ ትካላት ዘለወን ተራ መተካእታ የብሉን! ዝብል መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ድሌት ሰላምን ሓበራዊነትን ዘለዎ ድልየት ኣንፀባሪቆም።
ብምናለ ኣየነው