ኣብ ጎንደር ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ዳግማይ ንምውላድ ኣብ ሕርሲ ከምዘላ ዘርእይ ኢዩ-  ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተጀመረ ልምዓት ኮሪደር ነታ ከተማ ዳግማይ ንምውላድ ኣብ ሕርሲ ከምዘላ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።

ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ዝተሓደሰ ቀፅሪ ኣብያተ መንግስቲ ፋሲል መሪቖም።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ፋሲል እንተዞርና እንተዞርና ዳግማይ ዘይንረኽቦ፣ ንሕና ኣብ ኢድና ዘሎ ናይ ምቅላል ክፉእ ኣተሓሳስባ ስለዘለና ዝረኸሰ ግዙፍ ወርቂ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ዝመስል ውህቶ ዝሃቡና ኣቦታትና ፈለግ ተኸቲልና ሃገር እንተነልምዕን እንተንሰርሕን ሎሚ ኢትዮጵያ ተሓጋዚትን ለማኒትን ኣይትኾንን ነይራ ክብሉ ገሊፆም።

ዝዓበየ ፀገምና ንንእስ እሞ ዓብዪ ጎቲትና ብምንኣስ ምምዕርራይ ንደሊ ብምባል፥ ካብዞም ዓበይቲ መራሕቲ ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ፀገም ዘልዓሉ፣ ዓበይቲ ድማ ጎቲቶም ዘንእሱ ምብዝሖም ኢዩ ኢሎም።

ዓበይቲ ምኽባር፣ ናይ ዓበይቲ ስራሕ ምንኣድን ምምርማርን አንትጅመር ኣብቲ ስራሕ ሓደ ጡም እንተዘቐመጥ ምባል ዘይተርፍ ኢዩ፤ ዓበይቲ ምንኣስ እንትጅመር ግን ዘይንዓቢ፣ ዝዓበየ እነናአስ ተታሒዝና እንሓፅር ይገብረና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ናይ ድሕሪት ታሪኩ ምዝካር ዝኸኣለ ሰብ ወይ ማሕበረሰብ ሎሚ ንመበገሲን ንመስርሒን ይግልገል ኢሎም።

ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምኡ’ውን ኣብ ቀፅሪ ፋሲል በዝተሰርሐ ስራሕ ደቅና ካባና ብዝሓሸ ተስፋ ከምዘለዎም ምሕሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝጭበጥ ተስፋ ርእየ ኢየ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

ከተማ ጎንደር ለክዕ ከም ፋሲል ኣብያተ መንግስቲ ንባዕላ ዳግም ወሊዳ መርኣይ ናይ ኩላትና ድልየት፣ ትምኒትን ስራሕን ክኸወን ኣለዎ እውን ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment