ኣብ ጥቓ ቢሾፍቱ ዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ ምንቅስቃስ ፋይናንስ ሰነድ ውክልና ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኣብ ጥቓ ቢሾፍቱ ዝህነፅ ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ፋይንስ ምንቅስቃሳት ብምምችቻው ሰነድ ውክልና ተፈሪሙ፡፡

ኣብቲ ስነ ሰርዓት ፊርማ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፣ ኣቦ ወንበር ቦርድ ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳን ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣኪንውሚ ኣዴሲናን ተረኺም፡፡

በቲ ስምምዕነት መሰረት ልምዓት ባንኪ ኣፍሪካ ኣብ ፕሮጀክት መዕርፎ ነፈርቲ ስራሕቲ ፋይናንስ ተረኺቡ ዝሰርሕ ይኸውን፡፡

እቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣርባዕተ መጀመሪታት፣ ዝበኑ ዝጠልቦ መገደኛታትን መገልግልቲ ፅዕነትን ዝሓቆፈ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ሓሙሽ ምዕራፋት ዘካይድዎ ህንፀት ፕሮጀክት እንትዛዘም ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ሚሊየን መገደኛታት ምትእንጋድ ዘኽእል እዩ፡፡

ኣብ ዓውዲ አቪዬሽን ንዕብየት ምጣነ ሃፍቲ ሃገር ብምብርትታዕ ንዕድል ስራሕ ከምኡ እውን ዞባዊ ንግዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ልዑል እጃም ክፃወት ይግባእ፡፡

ብ10 ቢሊየን ዶላር ኣብ 3 ሽሕን 975 ሄክታር መሬት ዝህነፅ እቲ ፕሮጀክት ክዛዘም ሕዚ ዘሎ ኣቪዮሺን ኢትዮጵያ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ዘዐቢ እዪ፡፡

ኣኪንውሚ ኣዴሲና ኣብቲ እዋን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን መንግስቶምን ነቲ ባንኪ ዝገበርዎ ቆርፀኛ ምትሕብባር ንኢዶም፡፡

ብመሳፍንት ብርሌ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment