ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብታሪኻዊ ከይዲ ለውጢ ሓሊፋ ሎሚ ብኹሉ መዳይ ዓቕማ እተጎልብተሉ፣ ናይ ፅባሕ ዕጫኣ ካብ ሎሚ ዝበለፀ ብሩህ ከምዝኸውን ብጭቡጣት ስራሕቲ እናረጋገፀት ትርከብ።
መምርሒ መንግስቲ መደመር ንድፈ-ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ብዝረአዩ ዓበይቲ ፕሮጀክታት፣ ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚታትን ኣብ ተረባሕነት ዜጋታትን ዝግለፅ ህያው ሓቂ ኮይኑ ኣሎ።
ሉኣላዊነት ውሕስና ምግቢ ሃገርና ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ኣሰራርሓ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዝተመዝገበ ዓወት ክሳብ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ።
ካብ ፅግዕተኝነት ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ብምውፃእ ንጎረባብቲ ሃገራት እውን ዝተርፍ ፍርያት ምቕራብ ምጅማርና ዓቕሚ ኢኮኖሚና እናዓበየ ምምፅኡ ዘርኢ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ምስሊ ሃገር ብምቕያር ንዝመፅእ ወለዶ ዝመሓላለፍ ሓምለዋይ ሃፍቲ እናሃነፀ ይርከብ።
መገድታት፣ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ፕሮጀክታት ምሕዳስ ከተማታትን ዲጂታላዊት ኢትዮጵያ ጋህዲ ምዃን መሰረተ ልምዓት ኢኮኖሚያዊ መርበባት ብዘበናዊ መገዲ እናሓንፀፁ ይርከቡ።
ብሓፈሻ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ሎሚ ዝስርሑ ስራሕቲ ናይ ፅባሕ መሰረት ዝማዕበለት ኢትዮጵያ እዮም።
ትንሳኤ ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ሓቂ ምዃኑ እናረአና፣ ብሓባር ብምስራሕ እቲ ብሩህ ግዜ ጋህዲ ምግባር ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ፤ ኢትዮጵያ መፃኢኣ ኣብ ጥኑዕ መሰረት እናሃነጠት ትርከብ።
ብሶስና አለማየሁ