ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ሞሮኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 2025 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡
ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ዕለት ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዝርከባ ቡርኪናፋሶን ኢኳቶሪያል ጊኒን ቀት ሰዓት 9:30 ክራኸባ ኢየን፡፡
ኣብዚ ምድብ ዝርከባ ኣልጄሪያን ሱዳንን ምሸት ሰዓት 12 ክፃወታ ኢየን።
እቲ ፀወታ ምሸት 2:30 ቀፂሉ እንትካየድ ኣብ ምድብ ሹዱሽተ ዝተደልደላ ኮትዲቯርን ሞዛምቢክን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ከምኡ እውን ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ካሜሩንን ጋቦንን ምሸት ሰዓት 5:00 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ትማሊ ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ቱኒዚያ ንኡጋንዳ 3 ን 1፣ ናይጄሪያ ንታንዛኒያ 2 ን 1 ከምኡ እውን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ንቤኒን 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓረን ይዝከር።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!