ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሞሮኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 35 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡

ኣብ ምድብ ሓደ ኣሰናዳኢት ሃገር ሞሮኮ ምስ ከዛምቢያ ከምኡ እውን ኮሞሮስ ምስ ማሊ ምሸት ሰዓት 4 ፀወታአን ክገብራ ኢየን።

ነቲ ምድብ ሞሮኮ ብኣርባዕተ ነጥቢ እናመርሐት እንትትከውን ማሊን ዛምቢያ ብማዕረ ክልተ ነጥቢ ይስዕባ።

ኮሞሮስ ብሓንቲ ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።

ኣብ ምድብ ክልተ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምእታዋ ዘረጋገፀት ግብፂ ምስ ኣንጎላ ከምኡ እውን  ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ዚምባቡዌ ምሸት ሰዓት 1 ክራኸባ ኢየን፡፡

ነቲ ምድብ ግብፂ ሽዱሽተ ነጥቢ ብመሓዝ እናመርሐት እንትትከውን፤ ደቡብ ኣፍሪካ ብሰለስተ ነጥቢ ኣብ ካልአይ ደረጃ ትርከብ።

ኣንጎላን ዚምባቡዌን ሓደ ነጥቢ ብመሓዝ ሳልሰይቲን ራብዐይቲን ኮይነን ይስዕባ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment