ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብ ፓርክታት ኣብ ዝስራሕ ሓለዋን ልምዓትን ስራሕ ዝበረታታዕ ለውጢ ይምዝገብ ኣሎ ኢለን።
ንሓለዋ ተፈጥሮ ሃፍቲ ክብሉ ህይወቶም ዝህቡ ሬንጀራት ንምሕሳብ ብብርኪ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሬንጀራት ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ተኸቢሩ፡፡
ሰላማት ካሳ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ ፤ ብሄራዊ ፓርክታትን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ እንስሳ ዘገዳምን ሓለዋ ተኽልታትን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ንቱሪዝም መስሕብ ንክውዕሉ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡
ንፓርክታት ጉድኣት ዘብፅሑ ጉዳያት ብምክልኻል ስራሕቲ ሓለዋን ልምዓትን ብምጥንኻር ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘተባብዕ ለውጢ ይምዝገብ ኣሎ ኢለን።
ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሬንጀር ናይዚ ፃዕሪ ኣካልን ኣብቲ ዓውዲ ዝተጎድኡ ሬንጀራት ንምዝካር ዝዓለመ ከምዝኾነ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!