ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡

ምሸት ሰዓት 12 ቼልሲ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ንኤቨርተን እንትተተኣናግድ÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ናይ ዘይምስዓር ጉዕዞኣ ንምግታእ ክትፃወት ኢያ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ብምዕዋት ኣብ ፅቡቕ ብቕዓት እትርክብ ኤቨርተን ንቼልሲ ከቢድ ፈተና ከምትኸውን ትፅቢት ይግበር፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ሊቨርፑል ኣብ ኣንፊልድ ንብራይተን እተተኣናግድ እንትትከውን÷ ሞሃመድ ሳላህ ኣብታ ጋንታ ተኻቲቱ፡፡

እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ንግብፃዊ ኮኸብ ናይ መወዳእታ ፀወታኡ ክኸውን ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘሎን፤ ኣብቲ ፀወታ ዕድል ክረክብ ዶ ይኸውን ዝብል እውን ትፅቢት ይግበር፡፡

ምሸት ሰዓት 2፡30 በርንሌይ ምስ ፉልሃም እንትፃወታ፤ ምሸት ሰዓት 5 ድማ ኣርሰናል ምስ ወልቭስ ኣብ ስታዲየም ኤሚሬትስ ክራኸባ ኢየን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment