ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋረሕ እዚ ባጀት ዓመት ኣብ 18 ገፀር ከተማታት ዝርከባ 50 ሺሕ ኣባይቲ ኣናእሽቱ ሓይሊ ሶላር ተረባሕቲ ከምዝኾና ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሽግግርን ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ገፀር ብርሃኑ ወልዱ፥ ኣብ ገፀር ዝነብሩ ዜጋታት ተረባሕቲ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ንክኾኑ የስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ብተወሳኺ ከባቢታትን ከተማታትን ገፀር ብሓይሊ ፀሓይ ኤሌከትሪክ ንክረኽቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ኣብ 18 ገፀር ከተማታት ዝርከባ 50 ሺሕ ኣባይቲ ኣናእሽቱ ሓይሊ ሶላር ተረባሕቲ ኮይነን ኢሎም።
እቶም ተረባሕቲ ካብ ስሩዕ ኣብ ገዛ ዘለዎ ረብሓ ብተወሳኺ ነስራሕቲ ግብርና ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ብእየናዳብ ኣንዱኣለም