ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ዝሳተፉ ኣጋይሽ ኣብ ማእኸል ምርመራብሒን መቀነባበሪን ደርሆ ሞጆ ዑደት ኣሳሊጦም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ውሕስና ምግቢን ስርዓተ ምግቢን ንምምሕያሽ እናወገነቶም ትርከብ ስራሕቲ እናተዓዘቡ ይርከቡ፡፡
ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝጀመረቶም ፃዕሪታት ብዙሓት ዓወታት እናመዘገበት እንትትከውን÷ በዚ ድማ ኣብ መስኖ ስርናይ ሓጋይ፣ ትሩፋት ሌማት፣ ሓለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዕዉታት ስራሕቲን እናሰርሐት ትርከብ፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኣጋይሽ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸላት መራብሒን መቀነባበሪን ዶርሆ ሞጆ ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ኣቮካዶ እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ዝተዓዘቡ እንትኾኑ÷ ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ ፍርያታት ደርሆን ኣቮካዶን ካብ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ሓሊፉ ንወፃኢ ዕዳጋ እናቐረቡ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ፡፡
ብሰዓዳ ጌታቸው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!