ኣብ 2 ወርሒ 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣፍሪካ ግዙፍ ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት 1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪቡ።

እቲ ፋብሪካ ስራሕ ዝጀመረሉ ፈላማይ ዓመት ሎሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣኽቢሩ።

በዓል ሃፍቲ ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ  1 ነጥቢ 1 ቢሊየን ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ምቕራቡ ተዛሪቦም።

ጠለብ ቀረብ ነዳዲ ናይጄሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ኣብ ዕዳጋ ነዳዲ ዓለም ብምእታው ነታ ሃገር ሸርፊ ወፃኢ የምፅእ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኣፍሪካ ክልተ ሃገራት ጥራሕ ነዳዲ ከምዘየእትዋ ብምሕባር፥ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ገን ነዳዲ ካብ ወፃኢ ብምእታው ንልዑል ወፃኢ ከምዝቃልዓ ምሕባሮም ቢዚነስ ፖስት ናይጄሪያ ፀብፂቡ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment