ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ በጀት ዓመት 2017 ከም ሃገር ዓበይቲ ዓወታት ዝተመዝገቡሉ እዩ ኢሎም ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ።
ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 2018 ዓመት ዝገበረ መድረኽ “ጠንካራ ኣወዳድባ ንኩለመዳያዊ ብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጎንደር ተጀሚሩ።
ኣይተ ፍቃዱ ተሰማ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ 2017 ከም ሃገር ብዙሓት ዓወታትን ውፅኢታትን ተመዝጊቦም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምዝዛም ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ኮሪደር ልምዓትን ሰላምን ንምጥንኻር ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዝንኣድ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ገሊፆም።
ዝተረኸቡ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ዋጋ መነባብሮን ልምዓት ህዝብን ብግቡእ ንምምላስ ዝበለፀ ስራሕቲ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ብበላይነህ ዘለኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!