ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምውድዳር ዝተመዝገቡ ፓርቲታት ፖለቲካን ውልቀ ሕፁያትን ዝግዝኡሉን ዘመሓዳደሩሉን ደምቢ ስነ ምግባር ዕላዊ ገይሩ፡፡
እቲ ስነ ምግባር ደምቢ ዕላዊ ዝኾነ ዝተመዝገቡ ፓርቲታት ኣብ ዝተረኸቡሉ እንትኸውን፤ ፓርቲታትትን ውልቀ ሕፁያትን በቲ ስነ ምግባር ደምቢ ንኽግዝኡ ሓበራዊ ቃልኪዳን ፈሪሞም።
ሰላማዊ ጎስጓስ መረፃን ክትዕ መረፃን ንኽግበር ዝሕግዝ ዋና ዋና ዕላማ ዘለዎ እቲ ስነ ምግባር ደምቢ፤ ኣብ እዋን ጎስጓስን ክትዕን መረፃ ኩሉ ማዕረ መወዳደሪ ባይታ ንኽረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ካብዚ ብተወሳኺ፤ ሎሚ መዓልቲ በቲ ቦርድ ዝተመዘገቡ 48 ፓርቲታት ፖለቲካ መወዳደሪ ምልክቶም ኣፋሊጦም።
ብኣለምሰገድ ኣሳዬ