ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ – ብልፅግና ፓርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ቤት ምኽሪ ክንፊ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ፓርቲ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገምጊሙ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ክንፊ ደቂ ኣንስትዮ ፓርቲ ብልፅግና መስከረም ኣበበ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ እናተሰርሐ ይርከብ።

ካብ 12 ጥሪ ክሳብ 12 ለካቲት 2018 ዓ.ም ብተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝፀንዓት ኢትዮጵያ ብዝብል ናይ ሓደ ወርሒ ጎስጓስ ከምዝካየድ እውን ገሊፀን።

በቲ ጎስጓስ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ንምባል ክስራሕ ኢዩ ኢለን።

ብቅድስት ተስፋዬ

Comments (0)
Add Comment